ብኸምዚ ጌርና ንሽወደን ናብ ስርዓት ክንመልሳ ንኽእል ኢና

ንሃገር ሽወደን እንታ’ዩ ኣጋጢምዋ? ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንሕና፥ እታ ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ፡ ዝበዝሐ ጕጅላዊ ምትዃስ ዘጋጥመላ፥ ዝተነጸለ-ከባቢታት ዝበዝሓ፥ ከምኡ ውን ዋጋ-ኤሌትሪክ ዝነሃረላ ሃገር ኰይና ኣላ። እዚ ዘጋጥም ዘሎ ድማ፥ ሃገርና እታ ኣብ ዓለም 4ይቲ ዝልዓለ ግብሪ-ተኽፍል ሃገር ክነሳ ዘጋጥም ዘሎ’ዩ። ንሕና ከምኡ ኪኸውን ኣይንደልን ኢና!

______________________________________________________________________

ሃገር ሽወደን – እታ ኣብ ምሉእ ዓለም ርግኣትን ቅሳነት ዘሎዋ ትበሃል ዝነበረት ሃገር፤ ሕጂ ግን ሓንቲ ካብተን ብጕጅላዊ-ገበንነት – ህይወት ዚቐጥፍ ዘሎ ዓመጻት ዝተጠቕዐት ሃገር ኰይና ኣላ። እታ ጽቡቕ ገጽታ ናይ ክሊማዊ-ተሃድሶ ኣብነት ዝነበረት፥ ሕጂ ግን ንፋስ ኪውሕድ ከሎ፡ ገዛውቲ ንሙማቝ፡ ነዳዲ ዝነደላ ሃገር ኰይና ኣላ። እታ ብልዑል ናይ ስራሕ-ሞራልን – ደረጃ ህይወትካ ንምቕያር ዕድል ስለ ትፈጥር ትዀርዓላ ዝነበረት ሃገር፥ ሕጂ ግን ኣስታት 1,3 ሚልዮን ሰባት ነብሶም ባዕላቶም ከመሓድሩላ ዘይክእሉ ሃገር ኰይና ኣላ።

”ሽወደን ከበድቲ ብድሆታት ኣጋጢሙዋ ዘላ ሃገር’ያ፥ ግንከ ኪፍታሕ ውን ዚኽእል’ዩ”።

ሃገር ሽወደን እታ ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ እቲ ዝበዝሐ ብጕጅላዊ-ገበንነት ምትዃስ ዘጋጥመላን ከምኡ ውን ሳልሰይቲ ዝተሓተ ጻዕቂ-ፖሊስ ዘሎዋን ሃገር ክትከውን ቅቡል ኣይኰነን። ከምኡ እናበለ ሳዕሪሩ ድማ፥ ኣስታት ሓደ ሲሶ ዚዀና ኣንስቲ ምሸት ንኺወጻ ዚሰግኣሉ ኵነታት ኪፍጠር ውን ቅቡል ኣይኰነን። ኣብ ጠላዕ ጸሓይ ቆልዑ ንብረቶም ኪስረቑን ኪዋረዱን ይርኣዩ ኣሎዉ። ፍርዲ ዝተዋህቦም ዓመጸኛታት – ካብቶም ግዳይ ናይቲ ዓመጽ ዚዀኑ ሰባት ዝልዓለ ካሕሳ ኪቕበሉ ይርአ ኣሎ። ንሕና ከምኡ ኪኸውን ኣይንደልን ኢና! 

ስድራቤታት ሓገዝ ገንዘብ ብዅምራ ኪቕበሉ፥ እቲ ዚሰርሕ ሰብ ግን፡ እቲ ሰሪሑ ዝረኽቦ ገንዘብ ከም ዘየርብሖ ኰይኑ ከም ኪርከብ ምግባር፥ እዚ ውን ቅቡል ኣይኰነን። ወሃብቲ-ስራሕ ውን ዚቝጸሩ ሰራሕተኛታት ንምርካብ – ምስቲ ብጥርሑ ሓገዝ-ገንዘብ ዚህብ ስርዓት ኣብ ምውድዳር ኪኣትዉ፥ እዚ ውን ቅቡል ኣይኰነን። ዋላ’ኳ እዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ክትዕ እንተ ተኻየደሉ፥ እቲ ማሕበራዊ-ተነጽሎን – ምብዛሕ ናይተን ብብድሆ ዝተጠቕዓ ከባቢታት ውን እናበርከተ ይኸይድ ምህላዉ እዩ። ንሕና ከምኡ ኪኸውን ኣይንደልን ኢና!

ካብ ንዅሎም’ቶም ናይ ፕሮስታታን ናይ ጡብ ካንሰርን ዝሓመሙ ሰባት፥ ቁጽሮም ካብ ፍርቂ ንታሕቲ ጥራይ ኣብ ግዚኦም ሕክምና ከም ዚረኽቡሉ ኪዀኑ፥ ውጽኢት ነጥብታት ናይ ተመሃሮ እናተሓተ ኪኸይድ፥ ሕጽረት ኣገልግሎት ኣረጋውያን ከጋጥም – እዚ ኣብ ሓንቲ፡ ኣብ ዓለምና ብናይ ምኽፋል ኣታዊ ግብሪ ራብዓይቲ ዝዀነት ሃገር – መብዛሕትኦም ሰባት ድማ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ናይቲ ዘሎዎም ኣታዊታቶም ግብሪ ዚኽፈለላ ሃገር፥ እዚ ውን ቅቡል ኣይኰነን። ንሕና ከምኡ ኪኸውን ኣይንደልን ኢና!

እዛ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ መነባብሮኣ ሃብቲ፥ ኣብ ሸነኽ ሰሜን፡ ካብ ”ነዳዲ-ዘይቲ” ዘይኮነ ጸጋታት፥ ዘተኣማምን፡ ዋግኡ መጠነኛ ዝዀነ ሓይሊ-ኤልትሪክ ዝሃነጸት ሃገር፥ ኣብ ወገን ደቡብ ውን ግቡእ ዝዀነ ኣገልግሎት እናሃበ ከሎ ከም ዚዕጾ ዝተገብረ መመንጨዊ ”ኑክሌራዊ-ጸዓት”፥ እዚ ቅቡል ኣይኰነን። ንሕና ከምኡ ኪኸውን ኣይንደልን ኢና!

ስለዚ ብኸመይ ኢና ንሽወደን ናብ ስርዓት ክንመልሳ ንኽእል?

ሃገርና ሽወደን ከበድቲ ብድሆታት ከም ዘሎዋ ዚኽሕዶ ሰብ የልቦን። ግን ድማ ኪፍታሕ ዚኽእል እዩ። ንምፍትሑ ግን ብድሕሪ ምርጫ ናይ 2022፥ ሓደ ሓድሽ፡ ምስ ኵሎም ሰልፊታት ተተሓጋጊዙ ነዚ ክዉን ኪገብር ዚኽእል መንግስቲ ክትከል ኣሎዎ።

  • ንገበናኛነት ኣብ ስርዓት ክተእትዎ፥ ምስቲ ደረጃታት ናይቶም ገበናት ዝመጣጠን ሓያል መቕጻዕቲ ክትብይን ዝጠልብ’ዩ። ከምኡ ውን ካብቲ ገበነኛ ንላዕሊ፥ ግዳያት ናይቲ ገበን ንዝኾኑ ሰባት፥ ግቡእ ፖለቲካዊ ፍትሒ ከም ዚረኽቡ ምግባር እዩ። ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ
  • ነቲ ማሕበራዊ-ተነጽሎን ነቲ ልምዲ ናይ ሓገዝ-ገንዘብ ተጸባይነትን ኣብ ስርዓት ንምእታው ውን፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ እንተ ሰሪሕካ፡ ካብቲ ብሓገዝ-ገንዘብ ትረኽቦ ረብሓ ንላዕሊ ከም ዝኾነ ዚገብር – ናይ ስራሕ መርሃ-ግብር ምውጻእ ዝጠልብ’ዩ። ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ
  • ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጽዓት ናይ ምርካብ ቀውሲ፥ ወፍሪ ምስራሕ ኑክሌራዊ-ጸዓት ዝጠልብ’ዩ። እዚ ድማ ኣቕርቦት ሓይሊ-ኤሌትሪክ ዘውሕስን፡ ክሊማዊ-ኣሰር ዘጕድልን እዩ። ኣብዚ ዝበለጸ ኣንብብ
  • ነቲ ንኸፍሎ ግብሪ ውን፡ ብመልክዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ውሕስነት-ህይወትን፥ ናቱ ናይ ዓጸፌታ ረብሓ ክንረክብ ይግብኣና’ዩ። ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ